ኣይጎደልክንን by JamUpbeat364 - Zonaምልእቲ ኢኪ
ታይ'ሞ ጎዲሉኒ ሳላኪ ወገነይ
ኮንክለይ እንዲኺ ኩሉ ከም ድሌተይ
ቤተይ ኣማሚቅኪ ብርሃን ዝዓደልኪ
ሰላም ናይዛ ቤትና ሰላማ ዘስፈንኪ
መን ኢዩ' ሞ ከማኺ መላኢት ጎዶሎይ
ሰታሪት ሕመቀይ ፈዋሲት ሕማመይ
ኣላይት ድኻመይ ተስፋ ናይ ሂወተይ
ብዘይካኪ ኣይደልን ንስኪ ምልእተይ
ነዓኪ ምርካበይ ኣነስ ተዓዲለ
ልክዕ ከም ኣዲኣ ለባም ኢኺ ወሓለ
ለዋህ ኣደ ደቀይ ሓብሓቢት ውላዳ
ፈትፊታ ተኾልስ ገዲፋ ንኸብዳ
ኣመስጊነ ኣነስ ንሉዑል ንፈጣሪ
ብኣኺ ኣቢሉ ዓዲሉኒ ኢዩ ክብሪ
ፈጢሩ ነዓኪ ካብ ምቃል ዛጎነይ
ብዘይ ጎዶሎ ኮንኪኒ ዓቀነይ
Details
GeneratedDec 16, 2025
Duration1:49
Languageunknown
Credits
Prompt byJamUpbeat364
ModelAria v5