ደቂ ክልተ ኣሕዋት ሓንቲ ዝቋንቋና
ብሰንኪ ፀላእቲ በበይንና ኮይና
ሎምስ ልቢ ንግበር ንኩን ከም ቀደምና
ሎምስ ልቢ ንግበር ንኩን ከም ቀደምና
ኣብቲ ሕሉፍ ኢዋን ዕሸላት ተለና
ሓቢርና በሊዕና ሓቢርና ሰቲና
ሓቢርና ተፃዊትና ብንፁህ ልብና
ብዘይ ኣፈላላይ ገዛኩም ገዛና
ዕድመይና ኣኪሉ ዓቅመ ኣዳም ምስበፅሐ
ፍቅርና ዓቢቡ ፍርያት ምስ በዝሐ
ህዝቢ እሰይ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርገሐ
ሸጣን ቅልቅል ኢሉ ንስልጣኑ ዝፈርሐ
ደቂ ክልተ ኣሕዋት ሓቢሮም ከይመክሩ
ኣብ መንጎ ኣትዩ ተኮላት ቀቢሩ
ንክባታተኑ ሓቢሮም ከይነብሩ
ሐደ ልቢ ኮይኖም ሓይሊ ከይፈጥሩ
ንታሓደ ሓዉ ካብቲ ሓደ ሓዉ ኣብሊፁ
ዘይባሃል እናበለ ንኩሉ ከምከም ገፁ
ሕማቅ ንክሓስቡ ንክባኣሱ ንቃፀፁ
መረብ ምላሽ ኢሉ መሬቶም ቆሪፁ
ዝገደፎ መርዚ መድሀኒት ተሲኢኑሉ
ኣሕዋት ማዕዶ ኮኖም በቢበይኖም ይውዕሉ
ማዝኮን ይከውን እንራከበሉ
ብሓሳብ ብተግባር ሓደ ንኮነሉ
እወ ክልተ ኣሕዋት ዳርጋ ሓንቲ እኖና
ንሓደ ዓላማ ሓቢርና ወዲቅና
ንሞት ኣሸኒፍና ዓወት ምስዓተርና
ኣብ ክንዲ ንሓብር በበይንና ኮይና
ፀላኢ ይሕጎስ ለዋህ ግን ይሐዝን
እወ ለባም ተሳኢኑ ፀፅቡቁ ዝመዝን
ንዓይ ጥራሕ ዝብል ንህዝቡ ዘይሓዝን
ኩሉ ሓደ ኮይኑ ፍዙዝን ድንዙዝን
ሎሙስ ልቢ ንግበር ንኩን ከምቀደምና
ኩልና ኣይከሰብናን በበይንና መኪርና
ፀላእትና ነጥፋእ ኢድን ጏንትን ኮይና
መፃኢና ንክፅብቅ ሀዚ ንሰርሕ ሓቢርና::
[Intro]
[Male Vocal]
[Bridge]
[Verse]
[Pre Chorus]
[Chorus]
[Final Chorus]
[Outro]
[Outro]
[Guitar Solo]
[Violin Solo]